Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

israel and palestine


ዘፍጥረት 15:18 | 12 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወእዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ

Translation | Context
እያሱ 1:2-3 | 11 Helpful votes

ሙሴ ባርያይ ሞተሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤልዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:1-38 | 8 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ከኣ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ጸላኢኣሰይ፣ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፣ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፣ ስለዚ ተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገር፣ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፣ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውጢጦምኹምን፣ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤልቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሐድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፉ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል አሎ፣ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሐጕሶምብነፍሶም ንዒቖምዘመተ ኽትከውንሲ፣ ነታ ሃገረይ እተረስተየዋ ተረፍ ህዝብታትን፣ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ። እምብኣርሲ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እንሆ፣ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፣ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩይብል አሎ ኢልካ ብዘዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፣ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ኪስከሙ እዮም። ግናኸ፣ ኣቱም ኣኽራን እስራኤልእኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፣ ናባኻትኩምውን ከብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፣ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ። ኣባኻትኩም ንዅላ ብዛላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሃላ እየ። ከተማታት ኪስፈርዑናታት ድማ ኪስራሕ እዩ። ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኪባዝሑን ኪፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፣ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም። ንሰብህዝበይ እስራኤል፣ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ኪወርሱካ እዮም፣ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢካ፣ ድሕርዚውን ውሉድ ዜብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ሰብ በሊዕኪንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፣ ይብሉኹም አለዉ እሞ፣ ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕንንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይክስምዓክን እየ፣ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፣ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፣ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ። ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዓውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኵራይ ከዖኹሎም። ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፣ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፣ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም። ብዛዕባኦም ከኣ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፣ ካብ ሃገሩ ወጺኦምእናተባህለስ፣ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝአተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሐፍክዎ። ስለዚ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝአተኽምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፣ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፣ ኣብ ማእከሎም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፣ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፣ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፣ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ። ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርይ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮብትእዛዛተይ ከመላልሰኩምፍርደይ ከሐልወኩምን ክግብረክምን እየ። ኣብታ ንቦታትኩም ዝሀብኩዋ ሃገር ክትነብሩህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፣ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩምንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፣ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ። ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፣ ፈር ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ። ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ፣ ብሰሪ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም። ኣቱም ቤት እስራኤልሲ፣ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፣ ኣባኻትኩም ይፈልጥብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩንይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፣ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን፣ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብሮ እየ። እታ ዝባደመት ምድሪ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፣ ክትሕፈስ እያ። ሽዑ ኸኣ፣ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ኰነት፣ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዐርዳን፣ ሰብ ዚነብረለንን ኰና፣ ኪበሀል እዩ። እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፣ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ አሎኹ፣ ክገብሮ ድማ ኣየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ይብል አሎ፡ ምስናይ እዚ፡ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎምሲ ኽልመነሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ። ከምተን ዝተቐደሳ መጓሰ፣ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ኪመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ዘካርያስ 12:1-6 | 7 Helpful votes

ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያይት ዝዘርግሖንምድሪ ድማ ዝሰረታንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆየሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ጽዋእ ስኽራን ክገብራ እየ፣ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፣ ዚስከምዋ ዘበሉ ዅላቶም ኣህዛብ ኣዝዮም ኪቘስሉ እዮም፣ ኵላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምጽራራ ኺእከቡ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅላቶም ኣፍራስ ብስምባድንዚውሕጥዎም ከኣ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ፣ ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝባታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄርሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሓይለይ እዮም፣ ኪብሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን ክገብሮም እየ፣ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምውም ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታት ከኣ ኪውሕጥዎም እዮም፣ የሩሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፣ ኣብ የሩሳሌም፣ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 2:3 | 7 Helpful votes

ስለዚ ድማ፡ ንጐድንኹም ኵርኳሕ ይኹኑኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጥራ ይኹኑኹም እምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ

Translation | Context
ዘጸአት 3:8 | 6 Helpful votes

ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከድይቦም እየ።

Translation | Context